እዚ ዕለት ውድቀትና ናብ ዓወት ንምቕያር ትምህርቲ ንወስደሉ ክኸውን ይግባእ-ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ
ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምኽንያት መበል 129 ዝኽሪ ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዚ ዕለት ውድቀትና ናብ ዓወት ንምቕያር ትምህርቲ ንወስደሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
እንኳዕ ንመበል 129 ዓመት ዝኽሪ ኩናት ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐና ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ” እዙይ ዕለት ውድቀትና ናብ ዓወት ንምቕያር ትምህርቲ ንወስደሉ ክኸውን ተስፋ እገብር ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ X ( ትዊተር) ገሊፆም ።
23 ለካቲት 2017 ዓ.ም
መቐለ