ውፅኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ
 
ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ከም ሃገር ልዕሊ 585 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ዝወሰዱ እንትኸውን እቶም 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ተፈተንቲ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ብምምፃእ ብቀጥታ ናብ ዩንቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ከምዝረኸቡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።
ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘማሓድረን ወረዳታት 247 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 16 ሽሕን 909 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 35 ሽሕን 37 ተምሃሮ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከም ዝወሰዱ ብምዝኽኻር እቶም 8 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ተፈተንቲ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ውፅኢት ብምምዝጋብ ናብ ዩንቨርሲቲ ብቀጥታ ዘእቱ ነጥቢ ረኺቦም ኣለው ይብል እቲ ቢሮ።
 
ከም ሃገር ዝተመዝገበ ማእኽላይ ውፅኢት 31 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ እንትኸውን ከም ትግራይ 32 ነጥቢ 58 ሚኢታዊ ማእኸላይ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኣሎ። ከም ሃገር ምንም ተምሃራይ ዘየሕለፋ 1 ሽሕን 249 እንትኾና እተን 49 ካብ ትግራይ ምዃነን ተገሊፁ።
እዞም ካብ ትግራይ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ኣብ 2003 ዓ/ም ቀዳማይ ክፍሊ ዝጀመሩ እንትኸውን ኣብ 2012 ዓም ቅድሚ እቲ ወራር ናይ 9ይ ክፍሊ ዝነበሩ ምዃኖም እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።
 
ኣብ 2012 ዓ/ም ብCOVID-19 ምኽንያት ናይ 9ይ ክፍሊ ናይ 2ይ ሰሚስተር ትምህርቶም ተቋሪፆም ዝነበሩ እንትኸውን፣ ቀፂሉ እውን በቲ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ንሰለስተ ዓመታት ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ዝነበሩ እዮም::
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት በቲ ዝተሳለጠ ትምህርቲ 10ይን 11ን ክፍሊ ኣብ ሓደ ዓመት ዝወድኡ እንትኸውን 12 ክፍሊ ዓመት ሙሉእ ንክማሃሩ ዝተገበሩ እዮም። ከምቲ ኣብ 2016 ዝተውሃበ ክልተ ዙር ፈተና ዝግበር ዝነበረ ፍሉይ ድጋፍ ቲቶርያል ዘይረኸቡ ምዃኖም ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
04 መስከረም 2018 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons