እምነ-ኩርናዕ ቤተ-መዘክር ሰማእታት ተነቢሩ።
እዚ እምነ ኩርናዕ ብፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ፓለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን እዩ ተነቢሩ።
ነዚ እምነ ኩርናዕ ዘንበሩ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ህዝቢ ኣሕፈሮምን እንትጮን ንዝገበሮ ገድሊ መዘክር ሰማእታት ክሃንፅ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ንኢዶም።ብፍላይ መዘክር ሰማእታት ትግራይ ኣሕፈሮም ንምህናፅ ካብ ሓሳብ ዘመንጨወ ክሳብ ናብዚ ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ ንምንባር ረዚን ግደ ንዝተፃወቱ ብፍሉይ ኣመስጊኖም።
እዚ ከምዙይ ኢሉ እናሃለወ ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዘለው ተመዛበልቲ ትግራይ ንምሕጋዝ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ እቶም ፕረዚዳን ፀዖምም።
ኣብዚ ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሹሻይ ግርማይ ሎሚ ዕለት 17/2018 ኣብ ከተማ እንትጮ ዝንበር እምነ ኩርናዕ መዘክር ሰማእታት ኣሕፈሮም መበገሲኡ ናይቲ ዝተዓየየ ቅያ ተጋሩ ምዃኑ ተዛሪቦም።ነዚ ኣስዒቦም ድማ መዘክር ሰማእታት ኣሕፈሮም ድሕሪ ምዝዛም ንነበርቲ ማሕበረሰብ እዚ ከባቢ ልዑል ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ረዚን ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣረዲኦም።
ነዚ ብተወሳኺ እዚ ንግዚኡ ኣብ 52 ሽሕ ሄክታር ዝዓርፍ ህንፀት ቤተ መዘክር ኣያታትና በቢመዋእሉ ዝፈፀምዎን እዚ ወለዶ እናተፈፀሞ ዘሎን ቅያ ብወረርቲ ንከይጥለፍ ወዲብካን ሰኒድካን ናብ ወለዶ ብምሕላፍ እንታይነት ባህልና ታሪኽናን ያታናን እንዕቅበሉን ሓደ መንገዲ እዩ እንትብሉ ከንቲባ ከተማ እንትጮ ኣይተ ሃይለ ኣስፋው ኣብሪሆም።ከም ኣገላልፃ ኣይተ ሃይላይ እዚ ዝነብር እምነ ኩርናዕ መላእ ትግራይ ክኾርዐሉ ዝግባእ ኣብነታዊ ስራሕ እዩ።እዚ ደረጅኡ ሓልዩ ዝህነፅ መዘክር ሰማእታት ትግራይ ኣሕፈሮም ዛጊድከም 11 ሚልየን ብር ከም ዝተዋፅአ ኣይተ ሃይላይ ገሊፃም።
ነዚ ብተመሳሳሊ እዚ መዘክር ሰማእታት ቅድሚ ሓደ ዓመት ሓፋሽ ማሕበራት ዝተረኸብዎ ጉባኤ ብምስላጥ ቦርድ መሪፁ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ዝገለፁ ሰብሳቢ ቦርድ መሰትኣ (መዘክር ሰማእታት ትግራይ ኣሕፈሮም) መ/ር ሙሉ ወርቅ ኪ/ማርያም ኣብዚ ከባቢ ዝተፈፀሙ ገዘፍቲ ገድልታት ክዕቀቡ፣ ክለምዑን ናብ ወለዶ ንክሰጋገሩን ቀንዲ ዕላማ እዚ ህንፀት ምዃኑ ገሊፆም። እዚ ሙዝየም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ተመሳሳሊ ምልዕዓል ንክህሉ ኣብነታዊ ጅማሮ ምዃኑ ውን መ/ር ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም ወሲኾም ገሊፃም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
17 ጥሪ 2018 ዓ/ም
መቐለ

