ትካል ገባሪ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ 400 ኩንታል ሑሩጭ ፊኖ ከም ዝተኸፋፈለ ቤት ፅ/ት ማእኸል መዕቆቢ ተመዛበል ከተማ ሸራሮ ዞባ ምዕራብ ገሊፁ።
መተሓባበሪ ክላስተር ከተማ ሸራሮ ዞባ ምዕራብ ዝኾኑ ኣይተ ኣሰፋ ገብረ ሂወት ከም ዝበልዎ፣ ገባሪ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ብጣዕሚ ዝተፀገሙ 8ዐዐ መራሕቲ ስድራ 400 ኩንታል ሕሩ ፊኖ ብሕድ ሕድ 50 ኩንታል ክባፃሕ ከም ዝተገበረ ገሊፆም ።
እቶም መተሓባበሪ ትካል ገባሪ ሰናይ ትእምት ህፁፅ ፃዊዒት ብፅሑል ተመዘበልቲ ወገናት ብምድማፅ ብቅልጡፍ ክበፅሕሎም ብምኽኣሉ ልዕሊ 500ዐ እትንፋስ ክዕንገሉ ከም ዝኸኣሉን ብምዃኑ ድማ ንዝገበሮ ድጋፍ ንንእድ ክብሉ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም።
ከም መግለፂ እቶም መተሓባበሪ እቲ ሓለሓሊፍ ዝመፅእ ረድኤት ምሸላ ኣብ ርእሲ ምውሓዱ ኣብ ጥዕነኦም ውን ፀገም ከም ዘለዎ ብምፅራሕ ፣ ተመዛበላይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎን ካብዚ ሓደጋ ንምድሓንን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንፍታሕን ድማ ተመዛበልቲ ኩሉ መዳይ ውሕስናኦም ተሓልዩ ምስ ፀፅተኦምን ምምሕዳሮምን ናብ መረበቶም እንትምለሱ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ
ትካል ገባሪ ሰናይ ትእምት ንዝገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ግን ድማ ሓገዝ ዘይበፅሖም ፅጉማት ወገናት ስለ ዘለው እቲ ሓገዝ ተጠናኪሩ ክቅፅል ብምምሕፃን ፀገምና ብዘላቕነት ንምፍታሕ ግን ውሕስናና ተሓልዩ ናብ መረበትና ክንምለስ መንግስቲ ፌደራል፣ሕብረተሰብ ዓለምን ግዝያዊ ምምሕዳርን ድምፅና ሰምዕዖም ተግባራዊ ክገብረልና ንፅውዕ ኢሎም ክብል ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንመረዳእታሓበሬታን ርክብን ከተማ ሸራሮ ጠቒሱ ኣብዝለኣኾ ፀብፃብ ኣመላኺቱ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ
18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
መቐለ

