ብምትሕብባር ትካል ገባሪ ሰናይ ኢኽላስ ምስ ትካል ዲያኔት ብልዕሊ ብር 10 ሚልዮን ንተመዛበልትን ነበርትን ተጠቃሚ ዝገብር ጉድጎድ መስተ ማይ ከምዝተኹዓተ ምምሕዳር ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣፍሊጡ
 
ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ተኽላይ ተስፋይ ከምዝገለፅዎ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ከቢድ ዕንወት ኣብ ልምዓት መሰረተ ማይ ከምዝበፅሐ ይፍለጥ እዩ።
 
ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕፅረት መሰተ ማይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንምምሕያሽ ተሳትፎ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ወሳኒ ከምዝኾነ እውነን ኣይተ ተኽላይ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ እቲ ገባሪ ሰናይ ጉድጓድ መስተማይ ምኹዓት ጥራሕ እንተይኮነስ 15 K.Watt ሶላር ሲስተምን ፓምፕን ከምዝተኣታትው ገሊፆም።
እቲ ኣብ ገፅኪ ምለስለይ ዝተኾዓተ ጉድጓድ ናብ ሙሉእ ተግባር ዝርግሐ መስመር ማይ ከተማ ንምእታውን ናብ ተጠቀምቲ ንምትሕልላፍን ብኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ስራሕ መካየዲ ማይ መስተ ግልጋሎት ከተማ ዓብይ ዓዲ መ/ር ታደለ እምሩ ብግደኦም ኣጋጢሙና ዘሎ ሕፅረት መስተማይ ከተማ ዓብይዓዲ ብዘላቅነት ክሳብ ዝፍታሕ ዘለና ሕፅረት ንምቅላል ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ፕሮጀክት ብምቅራፅ መፍትሕታት ክመፅእ ብቀፃልነት ከምዝስራሕ ብምሕባር ኢኽላስ ምስ ዲያኔት ( Diyanet) ዝገበርዎ ተበግሶ ንኢዶም።
 
ኣብ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ በዓል ሞያ ኣይተ ኣብርሃ ንጉስ ብወገኖም ብገባሪ ሰናይ ኢኽላስን ዲያኔትን ድጋፍ ኣብ ገፅኪ ምለስለይ ዝኳዓት ዘሎ ጉድጓድ ናብ ሙሉእ ተግባር ምስኣተወ ፅሩይ መስተማይ 15-20 ሊትር ፐር ሰከንድ ማይ ከምንጪ ዝኽእልን ንመዓልቲ ልዕሊ 1ሚልዮን ሊትር ማይ ክሕዝ ዝእኽል ን16 ሽሕ ነባራይ ክሽፍን ከምዝኽእል ምግላፁ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ዝለኣኮ ሓበሬታ የመላክት።
 
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
23 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 
 
 

 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons