እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያንን ሲቪላትን ዝተገበረ ደብዳብ ድሮን ክኹነን ዝግባእ ተግባር እዩ!!
 
ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያንን ሲቪላትን ዝተገበረ ደብዳብ ድሮን፣ ግዳያት ኣብ ናይ ዕለታዊ ስርሖም እናሃለዉ ዝተፈፀመ ኮይኑ፣ ኣብ ካልኦት ጉድኣት ከይበፅሕ ህዝብና ኣብ ጠቅላላ ዕለታዊ ምንቅስቃሱ ጥንቃቀ ክገብር ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ይፅውዕ።
ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ሰብ ሃፍቲ ፅዕነት ኣይሱዚ ናብ ሎሚ 23 ጥሪ 2018 ዓ/ም ዘውግሕ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ሓደ ሽፌር ህይወት እንትሓልፍ ሓደ ረዳት ድማ መጉዳእቲ በፂሑ እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰላማዉያንን ሲቪላትን፣ ንብረት ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ ዝተፈፀመ ኾይኑ ሸቐጣ-ሸቐጥ፣ በርበረ፣ ባናና፣ ዘይትን ቡንን ፅዒነን ኣብ ምጉዓዝ ዝነበራ እየን።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ከምመልዓሊ ምኽንያት ብምጥቃም ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ዝዉዛእ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ክእረም ከምዘለዎ ብምሕባር ነዚ ኣቅሊልካ ብምርኣይ ግጉይ ሓበሬታ ብምፅሓፍ ንህዝቢ ምድንጋር ዘስዕቦ ፀገም ካብቲ ተግባር ዝተፈለየ ስለዘይኸውን ናይ ሕጊ ተሓታትነት ከምዘስዕብ ብምፍላጥ ካብዚ ተግባር ምቑጣብ ከምዘድሊ ክንገልፅ ንፎቱ።
 
​ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
23 ጥሪ 2018 ዓ/ም
መቐለ
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons