ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝተውሃባ ዝተፈላለዩ ዓቕሚ ዘለወን 85 ትራክተራት ምስ ዞባታት ትግራይ ሎሚ ዕለት ርክክብ ከም ዝተገበረ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራት ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ኣብቲ ርክክብ ትራክተራት ተረኺቦም ከምዝበለዎ፣ ሕርሻ ትግራይ ንምዝማንን መፍረያይነት ንመወሳኽን መከናየዘሽን ምጥቓም ናይ ግድን እዩ። ድሕሪ ወዕሊ ፕሪቶርያ 125 ትራክተራት ናብ ትግራይ ኣትየን ናብ ልምዓት ተዋፊረን እየን
እተን ካብ ፊደራል መንግሰቲ ዝመፃ 85 ትራከተራት ምሰ ምሉእ ናውተን ኮይነን ወለድ ዘይብሉ ልቃሕ ዝወሃባ እየን። ካብኣተን ድማ እተን 17 ትራክተር ንኢንቨስተራት ዝወሃባ ኮይነን እተነ ዝተረፋ ድማ ብማሕበር ንዝተወደቡ መናእሰይ፣ ሓረስቶትን ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ዝዋሃባሉ ኩነታት ከም ዝፈጠር ዶክተር እያሱ ገሊፆም።
እተን ትራከተራት ብኣግባቡ ግልጋሎት ንክህባ ምሉእ ፅገና ዝረኽባሉ ኩነታት ንምፍጣር ብትኹረት ይስራሕ ከም ዘሎን ክሳብ ሐዚ ብርክት ዝበሉ ሰብሞያ ከም ዝሰልጠኑ እቶም ሓላፊ ቢሮ ወሲኾም ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳይት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ
12/7/2017 ዓ/ም